About Us

We work with a select group of landscape contractors, water feature and lighting design specialists to ensure the garden design process, from initial concept to project completion, is smooth and seamless.

ብዛዕባ ፍኖት

ሓላፍንቱ ዝተወሰነ ኣግሮ ፕሮሰሲንግ ሕ/ስ/ማ ፍኖት ብሕብረት ሽርኽና ማሕበር ኽስርሑ ብዝተወድቡ ንጋዶ ውልቀ ስባት ዝተጣየሸ እንትኾን ስራሕቲ ብሙሉእ ኣቕሚ ንምትግባርን ካፒታል፥ ሞያን ተሞክሮን ንምውሃድ ክጥዕም ብሕብረት ስራሕ ማሕበር ትወዲብና ካብ ሰለስት ናይ ሕ/ሽ/ማ ኣባላት ናብ 5000 ልዕሊኡን ናይ ሕ/ስ/ማሕበር ኣባላት ኽዓቢ ናይ ምስረታ ጉባኤ ኣካይዱ 14 ኣምራርሓ ኣካላት ብምምራፅ ዝነኣስ ናይ ማሕብር ካፒታል 25ሚልዮን ዝለዓለ 500 ሚልዮን ካፒታል መበገሲ ትልሚ ብምሓዝ ስራሕቲ ዝብናዊ ሕርሻን ኣግሮ ፕሮስሲንግን ካልዖት ኣዋፃኣይንቶም ዝትፀንዑ ናይ ኢንዳስትሪ ስራሕትን ተዋፊሩ ክስርሕ ምድላዋቱ ውዲኡ ኣባላት ኣብ ምፍራይ ኣባላትን ምውህላል ካፒታልን ዝስርሕ ዝሎ ትካል እዩ፡፡

ራእይ

ኣብ 2040 ዓ/ም 8+ ዓበይቲ መትረፍቲ ትካላት ዝወነነትን ኣባል ዓለም ለኸ ሕ/ስ/ማ (ICA) ዝኾነትን ብስራሕቲ ሕ/ስ/ማ ኣብ ዓለም ብሉፃት ካብ ዘኾና 10ተ ሓንቲ ኾይና ምርኣይ፡፡

ልኡኽ

ኣብ መትከላት ማሕበር ሕብረት ስራሕ ብምምርኳስ ብፅቡቕ ስነ ምግባር ዝተሃነፀ፣ ስራሕ ፈጣራይ፣ መፍረያይ፣ ግዱስን ውፅኢታውን ኣባል ብምፍራይ ናይ ማሕበረሰብና ኹለ መዳይ ፀገም ንምፍታሕ ኣብ ዘመናዊ ሕርሻ፣ ኣግሮ ኢንዳሰትሪ፣ መኣድን፣ ፋይናንስን ሪልስቴትን ብምስታፍ ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ናይ ዕዳጋ ሰርዓት ብምፍጣር ግልጋሎትን መፍረያይነትን ብምርግጋፅ ኣባላትና ናብ ማእኸላይ እቶት ዝወነኑ ዜጋታት ክኾኑ ምስራሕ፡፡

ቀንዲ ዕላማ

  • ኣባላት ማሕበርና ዘዎም ኩለመ ዳያዊ ዓቕሚ ተወሃሂዱ ዝተፈጠረ ማሕበሮም ከም ድልድል ኮይኑዎም ብኩለ መዳይ ዓቅሚ ካብ ዘለዉዎ ደረጃ ናብ ዝዓበየ ላዕለዋይ ደረጃ ክሰጋገሩ ምግባር
  • ዘይምዕሩይ ናይ ዕዳጋ ሰንሰለት ብምሕፃር ኣባላትና ፅሬቱ ዝሓለወ፣ ብርቱዕ ዋጋ ኣብ ሓፂር እዋን ጠለቦም ምምላእ፡፡
  • ህዝብና ኩሉ ዓቕሙን ግዜኡን ኣብ ስራሕን ምስሳን ምህርትን ከውዕሎ ብምግባር በቢግዜኡ ሓደሸቲ ሃፍትታት ክድንፍዑ ምግባር ናይ ሀገርና ናይ ዉሽጢ ዓዲ ምህርቲ ( GDP) ብዝዓበየ ፍጥነት ክዓቢ ምግባር
  • ዘለውና ሰብኣውን ኩሎም ሃፍትታትናን ናብ ዝለዓለ ረብሓ ዝህቡሉ ደረጃ ብምብፃሕ ኣባላትናን ህዝብናን ብምግቢ ዓርሱ ክክእል ዕዙዝ እጃም ምፍፃም፡፡
  • ምህርትታትን ተፈጥሮኣዊ ፀጋታት ሃገርና ተክኖሎጂን ክብርታትን ብውሳክ ኣብ ናይ ዓለም ዕዳጋ ተጠለብቲ ንክኮኑ ዝገብሮም ዕዙዝ ግደ ምፍፃም፡፡
  • ኣብ ፈጠራ፣ ምህዞን ኢንተርፕነርሺፕን ዘመኑ ዝጠልቦ ስነባሀርያዊ ናይ ዓቅሚ ምዕባይ ስራሕቲ ብምስራሕ ህዝብና ዓለም ዝበፅሖ ደረጃ ንቅሓት ወኒኑ ከም ወለድና ቀቅድሚት ንከደሉ ስብእና ንክህሉ ዝዓበየ ግደ ምፅዋት ፡፡
  • ኣብ ሃገርና ዘሎ ሱር ዝሰደደ ናይ ማሕበረ ኢኮኖሚ ፀገማት ዝፈትሕ ትካል ገባሪ ሰናይ ብምፍጣር ፀገማት ህዝብና ንክፍታሕ ወሳኒ ግደ ምፅዋት ።

Best service for you

መትከላት ፍኖት

መትከላት ሓላፍንቱ ዝተወሰነ ኩለ-መዳይ ኣግሮ-ፕሮሰሲንግ ማሕበር ሕብረት ስራሕ ፍኖት፡-

ረብሓ ሂባ ረብሓ ትቕበል

ኣባላት ዝመርሕዋ ዲሞክራስያዊ ትካልእያ፡፡

ነፃን ዓርሳ ዝኸአለትን ትካል እያ።

ኣባላት ብድሌትን ብዘይ ኣፋላላይን ትቕበል

ኣባላት ኢኮኖምያዊ ተሳትፎይ ህልዎም፡፡

ትምህርቲ፣ ስልጠናን መረዳእታን ትህብ።

ኣብ መንጎ ማሕበራት ሕብረት ትፈጥር፡፡

ንከባቢያውን ማሕበራዉን ልምዓት ትድግፍ ፡፡

ትምህርቲ፣ ስልጠናን መረዳእታን ትህብ።

Best service for you

ክብርታት ኣባላት ማሕበር

ክብርታት ኣባላት ሓላፍንቱ ዝተወሰነ ኩለ-መዳይ ኣግሮ-ፕሮሰሲንግ ማሕበር ሕብረት ስራሕ ፍኖት፡-

ነንርእስኻ ምርድዳእ

ውልቀ ሓላፍነት ምውፃእ

ዲሞክራስያዊ ባህሊ ምስፍሕፋሕ

ቤተሰባዊ ምትእስሳርን ምሕዝነትን

ማዓርነት

ፍትሓውነት

Best service for you

ስነ ምግባር ኣባላት ማሕበር

ስነ ምግባር ኣባላት ማሕበር ሓላፍንቱ ዝተወሰነ ኩለ-መዳይ ኣግሮ-ፕሮሰሲንግ ማሕበር ሕብረት ስራሕ ፍኖት፡-

ተኣማንነት

ግልፅነት

ተሓታትነት

ኣሳታፊነት

ማሕበራዊ ሓላፍነት

ምትሕግጋዝ

ረብሓ ሂብካ ረብሓ ምርካብ

ንካልኦትምሕጋዝ

ምትሕግጋዝ