ዜና ምረቓ ማእከል ዕዳጋ መሰረታዊ ሸቐጣት ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ኩለመዳይ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ፍኖት

ማሕበርና ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ኩለመዳይ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ፍኖት ኣብ ክልልና ዘሎ ናህሪ ዕዳጋ ንምርግጋዕ፣ ንኣባላትናን ማሕበረሰብናን ብተመጣጣኒ ዋጋ ቀረብ መሰረታዊ ሸቐጣት ከም ጣፍ፣ ፊኖን ዘይቲ ብልዒን ንምቅራብ ዝተሰርሐ ማእከል ዕዳጋ ፍኖት ዕለተ ቀዳም 18 ወርሒ ጥሪ 2016 ዓ/ም ኣባላት ቴሌቪዥን ትግራይ፣ ኣተሓባባሪት ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ከተማ መቐለ ወ/ሮ ዘመዳ ገ/ሚካኤል፣ ካልኦት ኣመራርሓ ክ/ከተማ ቀ/ወያነን ኣመራርሓ ማሕበርናን ኣብ ዝተረኸብሉ ብዕሊ ኣመሪቓ። እዚ ማእከል ዕዳጋ ማሕበርና ኣብ ክ/ከተማ ቀዳማይ ወያነ – ኣብ ድሕሪ ቅዱስ ሚካኤል ካቴድራል ቤተ ክርስትያን ዝርከብ ሓዱሽ ኣስፋልት ይርከብ።

           

 

           

 

           

 

ማሕበርና ጅሚራቶ ዘላ ምንቅስቃስ ንምዕባይ ተሳትፎ ኣባላት ዝለዓለ ግደ ስለዘለዎ፣ መፂኹም ክትሽምቱን ፃዊዕትና ነቕርብ።

ብቴሌቪዥን ትግራይ ዝተዳለወ ዜና ቢዝነስ ኣብዚ መፈንጠሪ ብምጥዋቕ ካብ 1:31 – 4:26 ደቂቃ ዘሎ ዝርዝር ዜና ተመልከቱ።
https://www.youtube.com/watch?v=FFy38LeTys4

ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ኩለመዳይ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ፍኖት
መቐለ

ንእዋናዊ ሓበሬታ ኣድራሻ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ማሕበራዊ ሚድያ ፍኖት ይከታተሉ። Like, Share, Comment ይግበሩ።

Website http://www.fnotcoop.com/
Facebook https://www.facebook.com/fnotcoop
Telegram https://t.me/fnotcoop
WhatsApp https://wa.me/+251924555533

Leave A Comment